Teleconference
9:00 PM Washington DC TIME

 

  • Radio Internet

 

እግዚኣብሔር ጓሳየይ እዩ፥ ዝጐድለኒ የብለይን።

ኣብ ልሙዕ ሻኻ የውዕለኒ፥ ናብ ዝዓርፈሉ ማይ ይመርሓኒ።

ንሱ ሓዲሽ ሓይሊ ይኃይሊ ኡህበኒ፥ ከምቲ ዘተስፈወኒ፥ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ።

ግብ ዝበለ ጽልማት ብዘለዎ ርባ እኳ እንተኸድኩ፥ እግዚኣብሔር ምሳይ ኢኻሞ፥ ክፉእ ኣይፈርህን ኢየ፥

በትርኻን ምርኩስካን ይሕልዋኒ ኢየን።

ንስኻ ኣብ ቅድሚ ጽላእተይ መኣዲ ትኅሠርዓለይ፥ ከም ክቡር ጋሻ ንርእሰይ ብዘይቲ ቐባእካዮ።

ጽዋዐይ መሊኡ ይጅርብብ ኣሎ።

ፍቕርኻን ምሕረትካን ብኹሉ ዕድመይ ምሳይ ክምዝኾናእፈልጥ እየ።

ኣብ ቤትኻ ኸኣ ንዘልዓለም ክነብር እየ።

 postheadericon ሓቀኛ መንፍሳዊ ምሕዳስ (ኣባ ኤፍረም ዓንዶም)

 

መንፈሳዊ ምሕዳስ ከም ናብ መሠረትካ ምምላስ

 ብዛዕባ ምሕዳስ እንክንዛረብምናልባሽ ሓዲሽ ነገርምፍጣር ወይ ከኣምጅማር መሲሉ ይስምዓናይኸውን። መንፈሳዊ ምሕዳስግና ዘይነበረካ ከተምጽእህርድግ ምባል ኣይኮነንዜስምዕ። እንታይ ደኣ፣ናብ መሠረትካ ምምላስእዩ ዜስምዕ። እግዚኣብሔርከምዚ ይብል ኣሎ፡- ‘ኣቱም ንጽድቂእትስዕቡክረድኣኩም ከኣናባይእትመጹ ጽንበሉኒ።ካበየናይ ከውሒተጸሪብኩምከም ዝወጻእኩምንካበየናይጕድጓድ ከምዝተፈንቀልኩምን ኣስተብህሉ።ናብኣቦኹም ኣብርሃምንናብዝወለደትኩምን ሳራንኣስተብህሉ።’” (ኢሳይያስ 511-2)

እዚ ኣብ ላዕሊዝተጠቕሰ ቃል ኣምላኽከም ዜረድኣና፥ እቲሓቀይና ለውጢ ሕይወትኪመጽእ ዚኽእል፥ ናብመሠረትካ ብምምላስ እዩ።ሓቀይና ምሕዳስውንልክዕ ከምኡ ናብቲገዲፍካዮ ኬድካ ዝነበርካኣምላኽ ብንስሓ ብምምላስእዩ ዚጅምር። ቅድሚኣብ ዝለዓለ ደረጃቅድስና ምብጻሕ፥ ናይሕይወትካ ኣቕጣጫ ኣነጺርካምፍላጥን ናብቲ ሓቀይናመገድን ምእታው የድሊ።ንሕይወትካ ናብቲ ቅኑዕመገዲ ኬእትዋ ዚኽእልድማ ንስሓ እዩ።በዚ ምኽንያትዚእውን እዩ ቅዱስጳውሎስ ከምዚ ዚስዕብዝጸሓፈ፡- “እቲ ሠናይንባህ ዜብልን ፍጹምንዝኮነ ፍቓድ ኣምላኽእንታይ ምዃኑ ምእንቲመርሚርኩም ክትፈልጡ፥ ኣእምሮኹምብምሕዳስ ተለወጡ እምበር፥ነዛ ዓለም እዚኣኣይትምሰልዋ።” (ሮሜ 122)ናይ ኣእምሮ ምሕዳስንለውጥን ድማ ብዘይንስሓ ኣይርከብን እዩ።ብሓቀይና ንስሓ ዚጅምርምሕዳስን ለውጥን ልቢ (ኣእምሮ) ንዓለም ከምዘይትመስላን ብኣንጻሩውን ንኽርስቶስከም እትመስሎን ይገብረካ።ብሓጺሩ ኣቕጣጫኻ ከምእትቕይር ይገብረካን ናብመሠረትካ (ብኣበሃህላ ነቢይኢሳይያስ፥ ናብ ዝተፈንቀልካሉ ከውሒ) ከምእትምለስን ይገብረካን። እምበኣርንስሓ ማለት ናብመሠረትካ ዝኾነ ፈጣሪኻምምላስ ማለት እዩ።መንፈሳዊ ምሕዳስውን ወትሩካብኡ እዩ ዚጅምር።  

2. መንፈሳዊ ምሕዳስሥራሕ መንፈስ ቅዱስእዩ

መንፈሳዊ ምሕዳስ ሰብብኽእለቱ ዚገብሮ ሰብኣዊተግባር ኣይኮነን። ብዘይኃይሊ መንፈስ ቅዱስኪኸውን ዘይከኣል ተግባርእዩ። ካብ መፈለምታኡክሳብ መፈጸምታኡ መንፈስቅዱስ እንተ ዘይረድኦሰብ ብናቱ ኃይልንጥበብን ጥራይ ኺገብሮዚኽእሎ ሥራሕ ኣይኮነን፡- 

 ንምንሳሕ ጸጋ መንፈስቅዱስ የድልየና።ንሱ (መንፈስ ቅዱስ) ምስመጸ ኸኣ ንዓለምብዛዕባ ኃጢኣትን ብዛዕባጽድቅን ብዛዕባ ፍርድንኪረትዓ እዩ።” (ዮሓ 168)

 ሓቀይናምሕዳስ ኪህልወና፥ መንፈስቅዱስ የድልየና።ስለዚተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፥ብግዳም እኳ እንተማህመንና ብውሽጥናስ ኣብጸጽባሕ ኢና እንሕደስ።” (2ቆሮ 416)

ብጸሎት ኽንዓቢ፥ መንፈስቅዱስ የድልየና።መንፈስቅዱስ ድማ ንድኻምናይድግፎ እዩ። ከመይጌርና ኽንጽሊ ከምዚግብኣና ኣይንፈልጥን ኢና፥

ግና እቲ መንፈስባዕሉ እዩ ብዘይንገርእህህታ ዚጽልየልና። መንፈስቅዱስ ምእንቲ እቶምቅዱሳን ዚጽልዮ ኸምፍቕድ ኣምላኽ ገይሩእዩ።” (ሮሜ 826, 28) 

ምስ እግዚኣብሔር ኣቦንወልድን ዘሎና ርክብብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉእዩ ዚሠምር።ነቲብእኡ ጌርናኣባ፥ኣቦ ኢልና እንጽውዓሉመንፈስ ውሉድነት ኢኹምዝተቐበልኩም እምበር፥ ናብፍርሃት ክትምለሱ መንፈስባርነት ኣይተቐበልኩምን። ውሉድኣምላኽ ምዃንና ኸኣእቲ መንፈስ ኣምላኽባዕሉ እዩ ምስመንፈስና ኾይኑ ዚምስክር።እምበኣር ውሉድ ካብኮንና፥ ወረስቲ ድማኢና፤ ንኣምላኽ ወረስቱንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና።” (ሮሜ 815-17) እቲብንስሓ ዝጀመረ ናይምሕዳስ ጕዕዞ ፍረመንፈስ ቅዱስ ብምፍራይኪዛዘም ይግብኦ። ብዘይመንፈስ ቅዱስ ፍረቅድስና ምፍራይ ኣይከኣልን።ፍረ መንፈስ ቅዱስግና ፍቕሪ፥ ሓጐስ፥ሰላም፥ ትዕግሥቲ፥ ልግሲ፥ሕያውነት፥ እሙን ምዃን፥ለውሃት፥ ርእስኻ ምግታእእዩ።” (ገላትያ 522-23)

3. መንፈሳዊ ምሕዳስብመንጽር እተን ሠለስተደረጃታት መንፈሳዊ ሕይወት
ኣብ ጽሑፋትን ትምህርትታትን ቀዳሞት መንፈሳውያንኣበው ቤተ ክርስቲያንከም እንረኽቦ፥ መንፈሳዊጕዕዞ ሠለስተ ዓበይቲደረጃታት ኪህልዎ ይኽእል።ንሳቶም ከኣ፡-መገዲ ንስሓ (Purgative Way)ኣብዚ ደረጃዚዘላ ነፍሲ ካብቲናይ ቀደም መገዲጥፍኣት ብጸጋ እግዚኣብሔርናብቲ ቅኑዕ መገዲትምለስን፥ ነቲ ኣረጊትመንነታ ክትቅንጥጥ ትጋደልን።ብዙኅ ንስሓን ተጋድሎንጾምን ሕይወትካ ምልዋጥንዚርኣየሉ ደረጃ መንፈሳውነትተንጸባርቕ። ናይ ኣምላኽነገራትን መንፈሳዊ ጉዳያትንቀደም ትርጉም ዘይህባዝነበረት ነፍሲ ጉዳይመንፈሳውነት ቀዳምነት እንረኸበይኸይድን፥ ቅርበትን መቐረትንእግዚኣብሔር ኪስምዓ ይጅምርን።መበገሲ እዚ ዅሉለውጢ ጸጋን ፍቕሪኣምላኽን ክነሱ፥ ብወገንእታ ነፍሲ ግናንኣምላኽ ንምስዓብ ቝርጺውሳኔን ድላይን ብጋህዲይርአ። 
መገዲ ብርሃን (Illuminative Way)ኣብዚ ደረጃዚዝበጽሐት ነፍሲ ብመገዲንስሓን ለውጥን ኣቢላንዝረኸበቶ ሓድሽን ብርሃናውንክርስቲያናዊ ጕዕዞ እተደልድለሉፍሉይ ብርሃን ኣምላኽንሠናይ ሕሹኽታታት ኣምላኽንትለማመድ። ምስ ኣምላኽዘለዋ ፍቕርን ናይጸሎት ሕይወታን ኃያሎለውጥታትን ዕቤትን የርኢ።ኣብዚ ደረጃ መንፈሳውነትእትርከብ ነፍሲ፥ ጥዑምሕላዌን ድምጺ ኣምላኽንብዚያዳ እተስተማቕረሉን፣ ጸሎትኣዝዩ መሳጢን ዘሕጕስንተግባር ነፍሲ ኾይኑዚስምዓን ደረጃ ሕይወትመንፈሳዊ ጕዕዞን እዩ። መገዲ ኅብረት (Unitive Way) ኣብዚ ደረጃዚዝበጽሐት ነፍሲ ኣብተመስጦ ኣምላኽ ዝጠሓለትን፥ካብ ብዙኅ ኣፍኣዊጸሎትን ተግባራትን ንላዕሊራእይን ድምጽን ኣምላኽብቐጻሊ እትለማመደሉ፥ ፍጹምዝኾነ ኅብረት (ሓድነት)ምስ ኣምላኽ ተዳብር።ብፍቕሪ ኣምላኽ ፍጹምእትመከሉ ኣዝዩ ጥልቒዝኾነ ናይ ቅድስናደረጃ እዩ።ካብ ቀዳማይ ክሳዕሣልሳይ ተዘርዚረን ዘለዋደረጃታት መንፈሳዊ ሕይወትኵለን ብጸጋ ኣምላኽንብኃይሊ መንፈስ ቅዱስንእንተዘይኮይኑ፥ ብናትና ብሕታዊጻዕሪ ጥራይ ዝብጽሓኣይኮናን። ባዕሉ ጐይታኢየሱስእቲ ኣባይዚነብር ኣነውን ኣብኡ፥ንሱ እዩ ብዙኅፍረ ዚፈሪ፤ ምኽንያቱብጀካይ ሓንቲ እኳኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹምኢሉና ኣሎ (ዮሓ 155) ፍረናፍረ ቅድስና እዩ።ኣብኡ ንኽንበጽሕ ድማካብ መገዲ ንስሓጀሚርና፥ ብብርሃናዊ መገዲክርስቶስ ኃሊፍና፥ ናብቲምልኣት ኣምላኽ እንረኽበሉን፥ ምስ ኣምላኽናፍጹም ኅብረት እንገብረሉንዝዓበየ ደረጃ ክርስቲያናዊሕይወት ክንበጽሕ ተጸዊዕናኢና። ናይዚ ጕዕዞ ጀማርን ፈጻሚኡንጐይታ ኢየሱስ ባዕሉእዩ (ዕብ 122ርአ) ኣባናውንነዚ ዕዮዚብኃይሊ መንፈስ ቅዱስገይሩ እዩ ዚዓዮ።እምበኣር ሓቀይና ምሕዳስንለውጢ ሕይወትን ክንምኰርእንተድኣ ደሊና፥ ንመንፈስቅዱስ ኽንጽውዖ የድልየና።ንሱ ናብ ሕይወትናምስ ዚመጽእ፥ ካብንስሓ ኣጀሚሩ በብደረጅኡእናዕበየ ፍጹም ንክርስቶስናብ ምምሳል የሰጋግረና።እቲ ምእንቲ ጽቡቕፍቓዱ ኢሉ ኣባናድሌትን ግብርን ዚገብርኣምላኽና (ፊሊጲ 212ርአ) ዘልዓለማዊ ክብርንምስጋናን ይብጽሓዮ። ኣሜን።
ኵሉ ኽብሪ ንቅድስትሥላሴ ሓደ ኣምላኽ፥ኣብ፥ ወልድ፥ መንፈስቅዱስ ይዅን። ኣሜን።  

 

 

 




 


Abba Teclezghi (Father Bernard)br / Founder of Mahber Menfes Kedus

እሜንዶ እስምዕ ኣለኹ

Safely Home

 

I am in Heaven, dear ones;

Oh, so happy and so bright!

There is perfect joy and beauty

In this everlasting light.

 

All the pain and grief is over,

Every restless tossing passed;

I am now at peace forever.

Safely home in Heaven at last.

 

Did you wonder I so calmly

Trod the valley of the shade?

Oh! but Jesus' love illuminated

Every dark and fearful glade.

 

And He came Himself to meet me

In that way so hard to tread;

And with jesus' arm to lean on,

Could I have one doubt or dread?

 

Then you must not grieve so sorely,

For I love you dearly still:

Try to look beyond earth's shadows,

Pray to trust our Fatheres will.

 

There is work still waiting for you,

So you must not idly stand;

Do it now, while life remaineth

You shall rest in Jesus' land.

 

When that work is all completed,

He will gently call you Home:

Oh, the rapture of that meeting,

Oh, the joy to see come!