ክጽልይ
ከሎ ተለወጠ
(ኣባ ተኽሊዝጊ ዑ/ጊዮርጊስ)
ኣብ ዳኒኤል 10፡ 12 “ዳንኤለየ! ካብታ ልብኻ ናብ ምስትውዓል ዘቕናዕካላ ርእስኻውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽካ ዘትሓትካላ ቀዳመይቲ መዓልቲ ጀሚረን፡ ቃላትካ ተሰሚዔን እየን እሞ ኣይትሸበር” ዚብል ነንብብ፡፡ እግዚኣብሔር ይመስገን፡ ዳንኤል “እግዚኣብሔር ደንጉይኒ ዕስራን ሓደን መዓልቲ ኣጸብዩኒ” ኣብ ምባል ኣብ ዝቐረበሉ ጊዜ፡ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ከም ዝሰምዖ ገለጸሉ፡፡ ኣብ ላዕሊ ከም ዝረኣናዮውን፡ ኢየሱስ ገና ኪጺሊ ምስ ጀመረ እዩ ዝተለወጠ፡፡ ኣብዚ ክልተ ነገር ተማሂረ፡፡ መጀመርታ፡ እግዚእብሔር ንጸሎትና ቀልጢፉ ከም ዚሰምዖ፡ ካልኣይ እግዚኣብሔር ኣብ ጊዜ ጸሎት ከም ዝልውጠና፡፡ ንኢየሱስ ንጸሎት ኣብ ሓደ ምዕራፍ ክሳብ ዜብጺሖ ኣይተጸበዮን፡፡ እኒ ጴጥሮስ “ኣሜን” ክሳብ ዚብሉ ኣይተጸበዮምን፡፡ ኣብቲ ጽሑፍ ከም ዘንበብናዮ፡ ገና ኪጽሊ ከሎ ትርኢቱ ተለወጠ ብርሃን ለበሰ፡ ሙሴን ኢልያስን ኣብ ጸሎት ኪሳተፉ ካብ ሰማይ ኣብቲ እምባ ወረዱ፡ ኣብቲ ምግላጾም ግርማ ዓሲልዎም ነበረ፡፡ እግዚኣብሔር ኣቦ “ነዚ ጸሎትዚ ተቐቢለዮ ኣሎኹ ኪብል ብኣካል ደመና ለብሱ ነቲ እንባ ኣጎልበቦ፡፡ ብኸቢድ ነጎዳ ኸኣ ትዛረቦም፡፡ ሙሴ ኦሪት እናጠቐሰ፡ ኤልያስ ነብያት እናጠቐሰ፡ ብዛዕባቲ ኢየሱስ ኣብ ኢየሩሳሌም ኪቕበሎ ዘለዎ ሕማማትን ሞትን፡ ኪትንሥእ ከም ዘለዎን ዘርዚሮም መልእኽቲ ኣመኅላለፉ፡፡ ኣብቲ ጥቓ ምዕጻው ኻኣ እግዚኣብሔር ኣብ “ እቲ ዝኅሬክዎ ወደይ እዚ ኢየሱስ እዩ፡ ንዑኡ ስምዕዎ” ዚብል ኣርእስቲ ኣልዕሉ ምወዳድርቲ ዘይብሉ ትምህርቲ ሃበ፡፡
“ ኪጺሊ ኸሎ ተለወጠ”፤ ጉባኤና ጉባኤ ለውጢ
ይኹን፡፡ መንፈስ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ሳኦል ምስ
ወረደ ፡ ሳኦል ተለወጠ፡፡ ኣምላኽ ካልእ ልቢ
ለወጠሉ፡፡ ካልእ ሰብ ኮነ፡፡
ኪንበውን ጀመረ ( 1 ሳሙኤል 10፡ 6 – 10)፡፡
ሰብ ካብ ጉባኤታትና ተሓዲሹ፡ ተለዊጡ፡ መንፈስ
መሊኡ፡ ተፈውሹ ምለት ሓውዩ፡ ካብ ማእሰርቱ
ተፈቲሑ፡ ዝለመኖ ተቐቢሉ፡ “ብሓቂ ኣብዚ ጉባኤዚ
እግዚኣብሔር ኣሎ” እናበለ፡ እናተሓጎሰ፡
እናተደፋነቐ፡ “ እዚ ጸሎት እንታይ እዋኑ ተወዲኡ”
እናበለ ኪወጽእ ኣለዎ፡፡ እንተዘይኮነ ጸሎትና
ዕላማኡ ስሒቱ ኣሎ ማለት እዩ፡፡
እምበኣርከስ ንኢየሱስ ዓንዲ ማእከሉ ዝገበረ፡
ንመንፈስ ቅዱስ ነፃ መድረኽ ዝሃበ፡ ኣምልኾኡ ናብ
እግዚኣብሔር ዘቅንዔ ጸሎት፡ እዚ እዩ መልክዑ፡ “
ኪጺሊ ኸሎ ተለወጠ”፡፡ ለውጢ እንተ ደኣ ትደልዩ
ኰንኩም፡ ናይ ጸሎት ሰባት
ኩኑ፡፡
ጴጥሮስ “
መኣዲ ጸሎትና ኣይትዕጸዉልና” ኢሉኳ እንተ ተዛረበ፡
ተዓጽወ ደኣ፡፡ ግና ዕላማኡ ውቒዑ እዩ፡፡ ኢየሱስ
ምሳኹም ኣሎ፡ “ ንሱ ዝበለኩም ግበሩ” ኢላ ማርያም
ነቶም ኣሳሰይቲ ከም ዝመዓደቶም፡ እግዚኣብሔር ኣቦ
ኸኣ ሕጂ፡ “ እቲ ዝኅሬኹዎ ወደይ እዚ እዩ፡ ንዑኡ
ስምዕዎ” ዝብል ትእዛዝ ኣመኅላሊፉ፡ ንደቂ ሰባት
ናይ ሕይወት መምርሒ ሀበና፡፡ “ ንሱ ንዘለዓለም
ብሩኽ ኣምላኽ፡ ልዕሊ ኩሉ እዩ” (ሮሜ 9፡ 5)
ብክርስቶስ ኅውኹም፡ ኣባ ተኽልዝጊ ዕቕባጊዮርጊስ ፍረዝጊ


