ንባባት መጽሓፍ
ትንቢተ-ዮናስ
( ዓንደብርሃን ወልደንስኤ)
መባእታ፡
እዚ
ሕጂ ከነብቦ ንጅምር ዘሎና ጽሑፍ ክልተ ዕላማ ዝሓዘ
እዩ። ቀዳማይ፤ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ መጽሓፍ
ትንቢተ-ዮናስ ብዛዕባ እንታይን ከመይን ኣበይን
ንዝበል ሕቶታት ብምምላስ ዕሙቕ ዝበለ ርድኢት
ክህልወና ክኸውን እንከሎ፣ ካልኣይ ከአ፡ እዚ
ጽሑፍ’ እዚስ ንዓይ እንታይ ይብለኒ ኣሎ ብዝበል
ሕቶ፡ ናይ መንፈሳዊ ህይወትካ ኣስተንትኖ ንምግባር፡
መበገሲ ክኸውን ብማለት እየ ዘቕርቦ ዘሎኹ።
ትንቢት፡ ብዛዕባ ናይ ህልው ወይከአ ዝመጽእ
ኩነንታት ዝምልከት መልእኽቲ ኣምላኽ እዩ። ነብያት
ከአ፡ ኣብቲ አምላኽ መዲቡዎ ዘሎ ታሪኽ ድሕነት
ሕዝቢ፡ መሳርሕቱ ክኾኑ ዝተጸዉዑ እዮም። ከብጽሕዎ
ዘለዎም መልእኽቲ ግን ንባዕሎም ኣብ ጸገም
ከእትዎም፡ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓድታት ወይ ሃገር
ክኸዱ፡ ኣብ ቅድሚ ሓፋሽ፡ ወይ ቤተ-ክህነት፡ ወይ
መንግስታት ተቕባልነት ዘይብሉ ክኽውን ስለዝኽእል፡
ብብልሓቶምን ደረጃኦምን’ውን ስለዝጠራጠሩ ገሊኦም
ነብያት ንጸዋዕታ-አምላኽ ቀልጢፎም ኣይቅበሉዎን።
ነብዪ ኤርምያስ ከም’ዚ ኢሉ ከመኽኒ ይርከብ፡ “…
ኣንታ እግዚኣብሔር ኣምላኸይ፡ ገና ቆልዓ/መንእሰይ
ስለዝኾንኩ ተዛሪበ ኣይክእልን’የ” (ኤር. 1፡6)።
ኣምላኽ ንነብዪ ህዝቅኤል ከም’ዚ ኢሉ የበራትዖ
“ኣንታ ወዲ-ሰብ፡ ንስኻ ግን ክቀራኑኻ ኮነ
ክነጽጉኻ፡ ዋላ’ውን ዕንቅርቢት ርገጽ፡ ንዕኦም ኮነ
ንዘረባኦም አይትፍራሕ። ተነጸልቲ-ዓሌት ስለዝኾኑ፡
ብገጾም ኮነ ብዘረባኦም አይትፍራሕ” (ህዝ.
2፡6)። እግዚኣብሔር ንነብዪ ሆሴዕ፡ ሕያው
መልእኽቲ ክኸውን ስለዝደለዮ፡ ሓንቲ
ኣመንዝራ/ሰበይቲ-ኩሎም ንኸአቱ/ክምርዖ ይእዝዞ
(ሆሴ. 1፡2)። ነብዪ ኣሞጽ፡ ጤለ-በጊዕ ዝጓሲ
ዝነበረ ወዲ ይሁዳ ክነሱ፡ ኣምላኽ ንእስራኤል
ይልእኮ (ኣሞ. 1፡1)። ነብዪ ዮናስ ዕንወት ነነዌ
ክእውጅ፡ ኣምላኽ ንወጻኢ-ሃገር ይልእኮ (ዮና.
1፡2)።
ብዛዕባ ነብያትን ትንቢትን ክንዛረብ እንከሎና
ሰለስተ ተዋሳእቲ ከምዘለው ነስተብህል፣
ኣምላኽ፡ ጸዋዒ/ለኣኺ -------> ሰብ፡ ተጸዋዒ/ተለኣኺ ------->
ሕዝቢ፡ተቐባሊ።
ስለምንታይ እዮም ነብያት ወይ ከአ ንሕና ከም
ውልቀ-ሰባት ኮነ ከም ሕብረተ-ሰብ፡ በቲ
እግዚኣብሔር ዝደልየና ስርዓት ወይ መንገዲ
ዘይንመላለስ? ሓደ ካብ ብዙሓት መልስታት ክኸውን
ዝኽእል፡ ተራ/መዝነት ናይ’ዞም ሰለስተ ተዋሳእቲ
ዓሚቕ ርድኢትን ተቐባልነትን ዘይምህላውና እዩ።
ጸዋዒ (ኣምላኽ) ክጽውዕ
እንከሎ መኽንያት ኣለዎ። መደብ ወይ ዕላማ ኣለዎ።
ክጽውዕ እንከሎ ከአ ነቲ ዝጽውዖ ዘሎ አጽቢቑ
ይፈልጦ እዩ። መሳርሒ መደቡ፡ መብጽሒ መልእኽቱ
ክኸውን ይመርጾ/ይዕድሞ ኣሎ። ተጸዋዒ (ውልቀ-ሰብ)
ንጸዋዒኡ፡ ሕራይ ወይ እምቢ ክብሎ ይኽእል። ነቲ
መደብ/ዕላማ ናይ ጸዋዒኡ ክቕይሮ ክልውጦ ከመሓይሾ
ግን ኣይክእልን እዩ። ተጸዋዒ ንኣምላክ አይመኽሮ
ኣየማኽሮ። እቲ ክኸዶ ዘለዎ ቦታ ኮነ ክረኽቦም
ዘለዎ ተቐበልቲ መልእኽቲ፡ ንሱ አይኮነን ዝመርጾም።
ሳዕቤን መልእኽቱ’ውን ምስ መደብ ለኣኺኡ ደኣምበር
ምስ ሃረርታኡን ትጽቢቱን ዝሰምር አይኮነን። ተቐባሊ
መልእኽቲ (ሕዝቢ)
ዋላ’ኳ ኣብ ጫውጫውታ ሕብረት-ሰብን ናይ
ነፈሰ-ወከፉ ሓልዮትን ተዋሒጡ እንተሃለወ፡ አምላኽ
ካብ ኩሉ መንፈሳውን ስጋውን ጸገማቱ ከድሕኖ ፍቓደኛ
ምዃኑ ተኣሚኑ፡ ነቲ መልእኽቲ ክሰምዖን ክቕበሎን
ኣለዎ። ነቲ ዝተዋህቦ መልእኽቲ ከአ ሽዑኡ ወይ
ክቕበሎ ወይ ክነጽጎ፣ ዋና ሰዳዲ መልእኽቲ ኣምላኽ
ምዃኑ ኣለልዩ መንገዱ ከቕንዕ፡ መጸዋዕታ ብነብዪ
ይበጽሖ።
ጸዋዕታ ነብዪ ዮናስን ንስሓ ህዝቢ-ነነዌን ነቲ ምስ
ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ንምስትንታን ብሩህ ኣብነት
እዩ። ክርስትያን ብምስጢረ-ጥምቀትን ካልኦት
ምስጢራትን ናይ ዘመኑ ነብዪ ክኸውን፣ ከም ሕዝቢ
ነነዌ’ውን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ንኽቐርብ ጸጋን
ምስትውዓልን ተዋሂቡዎ እዩ። ነዚ ከነንብቦ ጀሚርና
ዘሎና መጽሓፍ ከም መስትያት ጌርና’ሞ ንጠምቶ፡ ከም
ነብዪ ዮናስ ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ዝሃደምናሉን፡
ዘንጸርጸርናሉን፡ ዝተመለስናሉን ጊዜ ክህሉ፣ ከም
ሕዝቢ ነነዌ ከኣ ርሕራሐ አምላኽ ኣብ ቀረባ
ከምዘሎን ክንግንዘብ ክንክእል ኢና። እግዚኣብሔር
ኣብ ክንዲ ብዝሒ ጉድለትካ ርእዩ ዝቐጽዕ፡ ናይ
ልብኻ ንስሓ ተቐቢሉ ዝምሕር ኣምላኽ እዩ።
ሊቃውንቲ ከምዝምዝግብዎ፡ ከተማ ነነዌ፡ ብወገን
ምብራቕ ፈለግ ቲግሪስን ኮይና፡ 350 ኪ.ሜ. ካብ
ከተማ ሞሱልን (ኢራቕ) ርሒቓ ትርከብ ነበረት።
ብግዜ ነብያት ኢሳያስ፡ ጾፎንያስ፡ ናሆም ከምኡ’ውን
ዮናስ ርእሰ-ከተማ ናይ መንግስቲ ኣሶር ምንባራ
ትፍለጥ። ዝና ናይ’ዛ ከተማ ግን ብምዕባሌን፡
ኣቀማምጣአን፡ ትሕዝቶአን ዘይኮነስ፤ ዋና-ከተማ
ናይ’ቲ ጨካንን፡ ኣረመንን ዝኾነ መንግስቲ ኣሶር
እያ እትፍለጥ። መንግስቲ ኣሶር ሐደ ካብቶም
ንመንግስቲ እስራአል ፈጥፈጥ ዘብሉ ዝነበሩ እዩ።
ኣብ 2ይ መጽ. ነገ. 19፡ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር
ንእየሩሳሌም ከዕንዋ ምስ ወረረ፡ ኣሽሓት ወተሃደራት
ሞይቶሞ ንኣሶር ተመሊሱ ኣብ ነነዌ ከምዝተቐመጠ
ይዝንቶ።
ምስቲ
ካልኦት ነብያት ብዛዕባ ነነዌ ዝብልዎ፡ ኣብ መጽሓፈ
ትንቢተ-ዮናስ እውን ነነዌ ከም ምልኣት-ሓጥያትን
ክፍአትን ኮይና፡ ካብ ፍርዲ እቲ ቅኑዕ-አምላኽ
ከምዘይተምልጥ፣ ብብዝሒ ክፍኣታ ከአ ናብ ሓሙኽሽቲ
ትልወጠሉ መዓልቲ ከምዝተወሰነ ይንበ። እዘን ዝስዕባ
ጥቕስታታ፡ ብዛብዕ ነነዌ ብርህ ዝበለ ኣፍልጦ
ክንረክብ ይሕግዛ እየን፣ ኢሳ. 37፡36-38፣
ጸፎ. 2፡13-15፣ ናሆ. 1፡1፣ 3፡19።
መንነትን ጸዋዕታን ነብዪ ዮናስ፡
ዋል’ኳ ትሕዝቶ መጽሓፉ ኣገዳስን፡ ሓንሳብ ንዘንበቦ
ከኣ ዘይርሳዕ መጽሓፍን እንተኾነ፣ ታሪኽ ህይወት
ዮናስ ከምዚ እዩ፡ ብክንድ’ዚ ዘመን እዩ ነቢሩ ወይ
ተነቢዩ ኢልካ ርጉጽ ታሪኻዊ ምስክርነት ክወሃቦ
አይከኣልን። ስሙ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ (ኦሪት) ክልተ
ጊዜ ጥራሕ ተጠቒሱ ንረኽቦ። ሓንሳዕ አብ 2
መጽ.ነገ. 14፡25 “….. እግዚኣብሔር ኣምላኽ
እስራኤል በቲ ኻብ ጋት-ሔፈር ዝነበረ ባርያኡ
ነብዪ ዮናስ ወዲ ኣማቲ እተዛረቦ ቃል
…”። ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ንጉስ የሮብዓም ዳግማዊ
(781-746 ቅ.ል.ክ) እዩ ዝነግስ ዝነበረ። ኣብ
መጽሓፈ ትንቢተ-ዮናስ ግን ነዚ ዘመን’ዚ ኮነ ምስ
ታሪኽ እስራአላውያ ዘመልክትን ዘተኣሳስርን ሓበረታ
ኣይህብን። ዕብየትን ዕንወትን ከተማ ነነዌ ሓደ
ዘመን ብድሕሪ’ዚ ዝተጠቕሰ ዘመን እዩ። ካልኣይ ግዜ
ስም ዮናስ ተጠቒሱ እንረኽቦ ከአ ኣብ መጽሓፉ እዩ፡
1፡1፣ 3፡1።
ዮናስ
ማለት “ርግቢት” ማለት እዩ። ኣሚታይ ከኣ
“እምነት” ማለት እዩ። ሓደ-ሓደ ተመራመርቲ
ቅዱስ-መጽሓፍ፡ ደራሲ ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ምናልባት
ጠባይ/ባህሪ ናይ’ዚ ከም ነብዪ ዮናስ ኮይኑ ዝቐርብ
ዘሎ ቀንዲ ተዋሳኢ ከመልክት ኢሉ ዘውጸኣሉ ስም
ክኸውን ይኽእል ይብሉ። ርግቢት ፈራሕ ስለ ዝኾነት
ቀልጢፋ እያ ፍር ትብል’ሞ ደሓን’ዩ ኣብዝበለቶ፡
ልባ ክዓርፈሉ ኣብ ዝኽእል ከአ ትዓልብ/ኮፍ ትብል
(መዝ.ዳዊ. 55፡6-8፣ ህዝ. 7፡16)። ነብዪ
ሆሴዕ ንሕዝቢ ከም ዓሻ ርግቢት ይግምቶም (7፡11፣
11፡11)። ዘማሪ ኣብ ብርቱዕ ጸገም ምስ ኣተወ፡
ከም ርግቢት መንገብገብ እንተዝህልዎ’ሞ ፍር ኢሉ
ናብ ቀሲኑ ክዕቆበሉ ዝኽል ቦታ ክኸይድ ይምነ
(መዝ.ዳዊ. 55፡4-8)። ታሪኽ- ሕይወት ነብዪ
ዮናስ ከኣ፡ ኣብ መጽሓፉ ተመስጊቡ ከምእንረኽቦ፡
ተመሳሳሊ ጠባያት ከምዘለዎ ከነስተውዕል ንኽእል።
ዮናስ ናብቲ እግዜብሔር ዝበሎ (ንነነዌ) ምእንቲ
ከይከይድ፡ ካብ አምላኽ ክሕባእ ናብ ካልእ ገጹ
ክኸይድ፡ ክሕባእ ይሃድም። ውዒሉ-ሓዲሩ ግን፡
አምላኽ ዘይጭክን ምዃኑ ስለዝኣምን፡ አብ ከብዲ ዓሳ
ኮይኑ’ውን ናብኡ ይጽሊ። ኣብ መባእታ ናይ’ዚ
ነንብቦ ዘሎና፡ ሓደሓደ ነብያት ምእንቲ ከይለኣኹ
መኽንያትታት ከምዘምጽኡ ኣንቢብና ነርና። ዮናስ ሐደ
ካባታቶም እዩ። ካብቶም ናይ ካልኦ ት ነብያት ፍልይ
ዘብሎ፡ እምቢትነቱ ብምህዳም ምግላጹ እዩ። ንወገን
ምብራቕ ገጹ ክለአኽ እንተተሓተተ፡ ንምዕራብ ገጹ፡
ካብ ኣምላኽ ኣርሒቑ ምእንቲ ክኸይድ ንጠርሴስ
(Spain) ትኸይድ መርከብ ተሰቒሉ፡ ምእንቲ
ከይርከብ ከአ ኣብ ውሻጠ መርከብ ይሕባእ። ካብ
አምላኽ ምህዳሙ ንካልኦት ገየሽቲ’ውን፡ ሐቂ
እንተዘይዛረብ፡ ለኪሙዎም ነይሩ። ኣምላኽ ግን ከም
እምቢትነቱን ዕሽነቱን ኣይፈድዮን። እኳ ደኣ ዮናስ
ናብ ልቡ ክምለስ’ሞ “ሕራይ” ንኸብሎ፡ አምላኽ
ብሰብ ጥራሕ ዘይኮነስ ብኻልእ ፍጥረት (ህቦብላ፡
ማዕበል፡ ዓሳ፡ ጉልዒ፡ ሓሰኻ) ገይሩ ምልክታት
ይህቦ። ኣምላኽ ብእምቢትነት ዮናስ ተስፋ
አይቆርጽን፡ ይሐልየሉ’ኳ ደኣ። ካብ መርከብ
ተደርብዩ ብማዕበል ከይጠፍእ፡ ኣብ ማዕሙቕ ኣብ
ከብዲ-ዓሳ ተኾምሲዑ ከይተርፍ፡ ጸሓይ በርቲዓቶ
ብዋዒ ቀራዕ ኢሉ “ሞት ይሓይሽ” ኢሉ ከይጠፍእ፣
ሓልዮት ኣምላክ ኣብ ኩሉ ይስዕቦ። እግዚኣብሔር
ካልኣይ ግዜ ነዓ ተለኣኽ ምስ በሎ፡ ዮናስ “ሕራይ”
ይብል’ሞ ከም’ቲ ኣምላኽ ዝበሎ ይገብር።
እንታይ እዩ ኾይኑ ዮናስ ናብ ሰብ-ነነዌ ከም ነብዪ
ክለኣኽ ዘይመድለይኡ? ከምቲ ኣቐዲምና ዘንበብናዮ፣
ነነዌ፡ ርእሲ-ከተማ ናይ መንግስቲ ኣሶር እያ።
መንግስቲ ኣሶር ከኣ፡ ብፍላይ ንእስራኤላውያን፡
ዘንፈጥፍጦም ዝነበረ ሕሱም መንግስቲ እዩ። ብናይ
እምነት’ውን እንተተመልከትና፡ ኣሶራውያን ኣምለኽቲ
ጣዖት እዮም። ስለ’ዚ ዮናስ ናብ ዘይኣምኑን
ዘይደቂ-ሃገሩን ዘይደቅ-ባህሉን፡ ናብ ዘይፈልጦ
ሃገር ንክለኣኽ፡ ከም-ሰብ መጠን ፍርሒ ሓዲሩዎ
ይኸውን እንተበልና ብቑዕ ገምጋም እዩ። እቲ ቀንዲ
መልሲ ግን ካብ ዮናስ ኢና አብ 4፡3 እንረኽቦ “ዎ
እግዚኣብሔር እውከሰካ ኣሎኹ” እንዳበለ ጸለየ፡ “
እዚዶ ኣይኮነን ኣብ ገዛእ ሃገረይ እንከሎኹ
ዝበልኩዎ? ስለ’ዚ እየ ከኣ እቲ ፈለማ ግዜ
ንጠርሴስ ገጸይ ዝሃደምኩ። ንስኻ መሓርን ርሕሩሕን
ንኹራ ደንጓዪን በዓል ዓብዪ ሳህልን፡ ንመቕጻዕቲ
ከኣ ዘይትህወኽ ኣምላኽ ምኳንካ’ኳ እፈልጥ ነይረ
እየ”(ጥቕሲ ባዕለይ ዝተርጎምኩዎ እዩ)። ዮናስ፡
ዕንወት ከተማ ነነዌ ስለዝጽበ ዝነበረ፡ ክንዲ
ብንስሓን ድሕነትን ሰብ ነነዌ ዝሕጎስ ፍረ-ተልእኾኡ
ባህ ኣየበሎን። ከምቲ ኣቐዲምና ዝረአናዮ፡ ዮናስ
ተላኣኺ ደኣ’ምበር፡ መደብ ድሕነት ሕዝቢ ነነዌስ
ናይ ኣምላኽ እዩ ነይሩ።
ትሕዝቶ መጽሓፍ ትንቢተ-ዮናስ፣
ካብ መጽሓፈ
ዮናስ እንረኽቦ መልእኽቲ ኣምላኽ ብርክት ዝበለ
ክህሉ ይኽእል። ነዚ ሓጺር መጽናዕቲ ምጥርናፉ ምእንቲ
ክጥዕም ግን፡ ኣብዘን ሰለስተ ኣርእስታት ከተኩር
እየ።
ሀ. ካብ አምላኽ አይትሕባእን
ኢኻ
ለ. አምላኽ ጎይታ ኩሉ-ፍጡር
እዩ
ሐ. ሓልዮትን ርሕራሐን ኣምላኽ
ንኹሉ እዩ
ሀ.
ካብ ኣምላኽ አይትሕባእን ኢኻ፣
ብዛዕባ
ኣምላኽ/እግዚኣብሔር ክትሓስብ እንከሎኻ፡
“ፈጣርን ኣብ ኩሉ ዘሎን፡” “ረቂቕ”
ዝብል ሓሳብን እሙንቶን ኣብ አእሙሮኻ ይመጽእ። እዚ
ኣተሓሳስባ’ዚ ኣብዚ ዘመንና ብጥበብና ዘምጻእናዮ
ኣይኮነን። ምስ ህላዌ ወድ-ሰብ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ፡
ነቲ መንፈሳውን ዘለዓለማውን እንታይነትና’ውን
መልሲ ክንረክበሊ ዘኽእለና ኣተሓሳስባ እዩ። ህላዌ
ወድ-ሰብ ኣብ ህላዌ-ኣምላኽ ዝተሰረተ ስለዝኾነ፡
ምስ ኣምላኽ ክንዋሳእ ጽዉዓት ኢና። አምላኽ፡ ምስ
ኩሉ ሰብ ይዛረብ እዩ። ብርግጽ ከኣ መልሲ ይጽበ።
ነብያት መጸዋዕታ ኣምላኽ ሰሚዖም ከከም ዝመስሎም
ወይ ሕራይ ወይ ከአ እምቢ ክብሉ ዝተፈላለይ
መልስታት ከምዝሃቡ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ነንብብ። ነዘን
ዝስዕባ ኣብነታት ንመልከት፣
ጸዋዕታ ሙሴ፤ ኣምላኽ
ንሙሴ፡ ንሕዝቢ እስራኤል ካብ ባርነት ግብጻውያን
ምእንቲ መሪሑ ከውጸኦምስ ናብ ፈርዖን ከይዱ ፍቓድ
ኣምላኽ ምዃኑ ክነግሮ ምስ
ጸውዖ፡ ሙሴ ከኣ፡ “እንታዋይ ኮይነ ደኣ’የ ናብ
ፈርዖን ከይደስ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ክወጹ
መሪሐዮም ክኸይድ ዝብሎ” ኢሉ መለሰ። ሰጋእታ ሙሴ
ኣብ ክልተ ነገራት ዝተመስረተ ይመስል። ቀዳማይ፣
ንንጉስ ዝኣክልስ ብዛዕባ እቲ ኩፉእ ግብሩ
ኣጋሊጹስ፡ ኣንጻር ጥቕሚ-ሃገር ዝኾነ ግብሪ
ንኽፍጽም’ውን መራሒ ንኽኸው ከርድኦ ክኸይድስ፡
እንታይ ሳዕቤን ከምዘምጽኣሉ ክሓስብ ጀሚሩ ይኸውን።
ካልኣይ ከኣ፣ ሕዝቢ እስራኤልስ ከመይ ኢሉ እዩ
ንሙሴ ክኣምኖ? ከም ኣባጊዕ ትም ኢሎም ንክስዕቡዎስ
እንታይ ዘተኣማምን ነገር ኣለዎ? በዓል ምንታይ
ኮይኑ እዩ? ዘጸ. 3፡10 – 4፡17 ኣንብብ።
ከም’ቲ ኣብ
ጸዋዕታ-ዮናስ ዝተመልከትናዮ፡ ሙሴ’ውን መሳርሒ
ኽኸውን ደኣ እዩ ተጸዊዑ’ምበር እቲ መደብስ ናይ
ኣምላኽ ዕላማ እዩ ነይሩ። ከምይ ኢሉ ክኸውን? ዓቕሚ
የብለይን፡ መን ክሰምዓኒ፡ ኢልካ ንጸዋዕታ ኣምላኽ
ምንጻግ ሙሉእ እምነት ከምዘይብልካ ምዃንካ
የመልክት። ፈቲኻ ጸሊእካ፡ ርሒቕካ ተሓቢእካ፡
ፈሪሕካ ተጠራጢርካ ካብ አምላኽ ክትክወል
አይትኽእልን። ንሱ (ኣምላኽ) ባዕሉ’ዩ ንፍሉይ
ነገር ዝጽውዓካ። ንነብዪ
ኤርምያስ “ኣብ ማሕጸን (ወላዲትካ) ከይሃነጽኩኻ
እንከሎኹ፡ ከይተወለድካ እንከሎኻ፣ ናብ ኣሕዛብ
ነብዪ ክትከውን መደብኩኻ” ይብሎ
(ኤር. 1፡5)። ኤርምያስ ግን
ንእሽቶ ብምዃኑ ተዛሪቡ’ውን ከምዘይክእል
የመኽኒ’ሞ፡ አምላኽ ከኣ ኢዱ ዘርጊሑ ከንፈሩ
ይትንኽፎ (ኤር. 1፡4 – 19 ኣንብብ) ። ኩሉ
እቲ ካብ አፉ ክወጽእ ዝነበሮ መልእኽቲ ካብ ኣምላኽ
ዝተዋቦ ስለዝኾነ ከኣ ከምቲ ዝተባህሎ ክገብር ሕራይ
ይብል።
ነብዪ ዮናስ
ካብ ኣምላኽ ክሃድም (ንዮፓ) ጥራሕ ዘይኮነስ
ብመርከብ ኣርሒቑ ክኸይድ (ንጠርሴስ) ይነቅል።
ምእንቲ ክኽወል ኣብ ስቱር ቦታ ናይታ መርከብ
ይሕባእ ። ዮናስ፡ እቲ ከም ሰብ-መጠን “ከም’ዚ
ጌረ ከምልጥ እኽእል እየ” ኢሉ ዝሓሰቦ፡ ፈጺሙዎ።
ሰብ ካብ ሰብ ክሕባእ፡ ክኽወል፡ ክርሕቕ፡
ክበላሓት፡ ክተናኾል፡ ይኽእል እዩ። ካብ ኣምላኽ
ከተምልጥ ግን አይትኽእልን። ኣምላኽ፡ ህቦቡላን ማዕበላትን
ኣናዊጹ፡ ንዮናስ ይስዕቦን ይከታተሎን ከምዘሎ፡
ካብኡ ሃዲሙ’ውን ክሕባእ ወይ ክኽወል ከምዘይክእል
ይግለጸሉ (1፡3-5)። ዮናስ፡ ናብ ልቡ ይምለስ’ሞ
ካብ’ቲ ምሩጽ-ሕዝቢ (ዕብራዊ)
ተባሂሉ ዝፍለጥ ወገን ምዃኑ፣ ነቲ ሰማይን ምድር
ዝፈጠረ ኣምላኽ ከምዘምልኽ፡ ካብኡ ከአ ይሃድም
ከምዘሎ፡ ንመጋይሽቱ ይነግሮም (1፡8-10)። ዮናስ
ብዛዕባ ኣምላኽ ዘለዎ እምነት/ኣተሓሳስባ ጥራሕ
ዘይኮነስ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ዓሚቝ እዩ።
ዋላ’ኳ እንተሃደመ እንተተሓብአ፡ ኣብ መወዳእትኡስ
ናብኡ ይውከል (ምዕ. 2 ብሙሉኡ ኣንብብ)። ክሳብ
ክንደይ ርሕሩሕ ምዃኑ ስለዝፈልጥ ከኣ’ዩ ካብኡ
ክሃድም፡ ክለኣኾ ዘይደለየ (3፡10 – 4፡3)።
አምላኽ ከአ ንዮናስ አጸቢቑ ስለዝፈልጦ፡ ክጽገም
እንከሎ ኮነ ክጭነቕ፣ ክዛረቦ ክረድኦ ክሕልዎ፡
ኣብዝኸደ ይኺድ ከአ፡ ምስኡ ከምዘሎ ብዝተፈላለየ
ኣገባብ ይግለጾ። ካብ ከብዲ ዓባይ-ዓሳ ብሕይወቱ
ከምዝወጽእ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ዘየስግእ ቦታ
(ካብ’ቲ ማይ ውጽእ ዝበለ) ከምዝዓልብ ይገብር
(2፡10)።
ለ.
ኣምላኽ፡ ጎይታ ኩሉ-ፍጡር እዩ፣
እዚ
መጽሓፍ’ዚ፡ ኣምላኽ፡ ምስ ዮናስን ብዛዕባ ሕዝቢ
ነነዌን ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ኩሉ ፍጡር ክዋሳእ
የቕርብ። ምስ ኩሉ ፍጡር ክብል እንከሎኹ፣ነቲ
ሕይወትን ነፍሰ-ለበስን (ወዲ-ሰብ)፡
ንእንስሳታትን፡ ንኣታኽልትን፡ ንህቦቡላን ማዕበላትን
ቀላያትን፡ ንሽልማት ሰማይን እየ ዘጠቓልል ዘሎኩ።
አምላኽ፡ ብጎይትነቱ ንኹሉ ክእዝዝ እንከሎ መደብ
ኣለዎ። ኵሉ ፍጡር ቀልጢፉ ፍቓድ ኣምላኽ ክፍጽም
እንዳተረኽበ ክነሱ፣ ወድ-ሰብ ግን ሓለፋ ኵሉ ፍጡር
ምስ ኣምላኽ ክዛረብ፡ ክምድር/ክማጎት፡ ናብኡ
ክቐርብ፡ ካብኡ ክርሕቕ ወይ ክሃድም ይርከብ።
አምላኽ ንወድ-ሰብ ክሳብ ክንደይ ከምዘኽብሮ፡
ከምዝሓልየሉ፡ ከምዘፍቅሮ፡ ከምዝዕገሶ ዘገርም እዩ።
ኣብ’ዚ መጽሓፍ’ዚ፡ ኵሉ ፍጥረት፡ መሳርሒ መደብ
ኣምላኽ ኮይኑ ይቐርብ። ጎይትነትን ልዕልናን አምላኽ
ከአ በዚ ጎሊሁ ይርአ።
ሰብ
አምላኽ ንዮናስ
ይጽውዖ፡ ንሱ ከኣ ይሃድም። እንደጌና ከኣ ይጽውዖ
(1:2፥ 3፡2)። አምላኽ ንዮናስ
ይሓልየሉ
(1፡15፥ 2፡1፥ 2፡11፥ 4፡6)። ኣምላኽ
መርከበኛታት ክጉዱኡ ኣይፈቐደን (1፡15)፡ ነቲ
ቅኑዕ ኣምላኽ ክፈልጡ’ኳ ደአ
ልቦናኦም ይኽፈት’ሞ ናብኡ ይምህለሉ (1፡14)።
ንሕዝቢ ነነዌ መሓሮም (3፡10)።
እንስሳታት
እታ ዓባይ ዓሳ
ትእዛዝ ኣምላኽ ትፍጽም (2፡1-2፥ 2፡11)።
ኩሎም እንስሳታት ነነዌ’ውን ኣብ ጾም ይልከሙ
(3፡7-8)። ሓሰኻ’ውን መሳርሒ-ኣምላኽ ይኸውን
(4፡7)።
ሕይወት ዘይብሉ
ነገራት
አምላኽ፥
ብመርከብ (1፡3)፡ ብህቦቡላን ንፋስን (1፡4)፡
ብማዕበል-ቀላይ (1፡4)፡ ብምውዳቕ ዕጫ (1፡7)፡
ብተኽሊ ኦም
(4፡6)፡ ብፀሓይን ብርቱዕ ሙቐትን (4፡8)፡
ብዝኾነ ነገር ገይሩ ምስ ወድ-ሰብ ይዛረብ።
ሰብን፡
እንስሳታትን፡ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ዘሎ
ፍጥረትን፡ ኣብ ጥሕቲ ቀላይን ዝፍጸም ኩነታትን ኩሉ
መሳርሒ ኣምላኽ ብሙዃኑ ጎይትነት ኣምላኽ ይገልጽ።
ኣቕዲምና ከምዝተግንዘብናዮ ከኣ፡ ኣምላኽ ንወድ-ሰብ
ፍሉይ ርሕራሔን ሓልዮትን ከምዘለዎ፡ ንዮናስ ካብ
ኩሉ ጸገማት ከውጽኦ፡ ንብመርከብ ገያሾ ካብ ሓደጋ
ባሕሪ ከድሕኖም፡ ንሕዝቢ ነነዌ ምስ ኩሉ ጥሪቶም
ምሕረቱ ክህቦም እግዚኣብሔርነቱ ይግለ ኣሎ።
ሐ.
ሓልዮትን ርሕራሐን ኣምላኽ ንኹሉ እዩ፣
ነብዪ ዮናስ፡
ናብ ሕዝቢ ነነዌ ንከይለኣኽ ቀንዲ ካብቲ
መኽንያትታቱ ሓደ፡ ኣምላኽ ርሕሩሕ ምዃኑ ስለዝፈልጥ
ዝነበረ ከም’ዚ ኢሉ ይዛረብ “… መሓርን ርኅሩኅን፡
ንኹራ ደንጓዪን፡ ብዓል ዓቢይ ምሕረትን፡ ንእኩይ
እትጠዓሰሉን ኣምላኽ ከምዝኾንካ ስለዝፈለጥኩ እየ፥
ኣቐዲመ ንጠርሴስ ዝሃደምኩ” (4፡2)። አምላኽ
ንዮናስ ከም ግብሩን፡ ትዕቢቱን፡ እምቢትነቱን
እንተዝፈድዮ እንታይ ኮን ምኾነ? ካብ ኣምላኽ
ክሃድም ክብል ባዕሉ ብማዕበላትን ህቦቡላ ባሕርን
ምጠፍአ (ም. 1)፥ ኣብ ከብዲ-ዓሳ ተኾምሲዑ
ምሓቐቐ (ም. 2)፥ ብሙቐት ጽሓይ ወይ ሃሩር ቃዕ
ኢሉ ምሞተ (4፡8)። ሓልዮትን ርሕራሐን ኣምላኽ፡
ብሕመቕ ወይ ድኻምነት ናይ ዮናስ ኣይረሓቐን።
ኣምላኽ ደጋጊሙ ንዮናስ ካብ ጸገማት የውጽኦ፥
ይሓልየሉ፥ ንጸሎቱ ይሰምዕ።
ገያሾ፡ መርከብ ብሰንኪ ማዕበልን ህቦብላን ኽትጥሕል ምስቅረበት ናብ ኣማልኽቶም (1፡5) ክምህለሉ ጀመሩ። ኣማልኽቶም ግን አይሰምዑዎምን። ስለ’ዚ እቲ ቀንዲ መኽንያት ጸገም ኮይኑ ዝነበረ ዮናስ ምዃኑ ምስ ፈለጡ (1፡7-11)፡ ናብቲ ንሱ ዘምልኾ ሓቀኛ ኣምላኽ ክምህለሉ ጀመሩ(1፡14-16)። እቲ ጎይታ ኩሉ ፍጡር ዝኾነ ሕያው ኣምላኽ ከኣ ንጸሎቶም ሰሚዑ ካብ ድንገት ኣድሓኖም። እቶም ኣረሜን ዝኾኑ ሕዝቢ ነነዌ፡ ነብዪ ዮናስ ከመይ ዝበለ ሳዕቤን ክወርዶም ምዃኑ ምስ ነገሮም፡ ብዓዶም (ሰብን እንስሳን) ናብ’ቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ጾምን ንስሓን ብምግባር ካብ መዓት ደሓኑ (3፡5-10)። ከም ኣተሓሳስባ ወይ እምነት ዕብራውያን -ዮናስ ካብኣቶም እዩ- አምላኽ ንዘይዕብራዊ ዘየናሕሲ ኣምላኽ እዩ ዝብል እምነት ነበሮም። ሓልዮትን ርሕራሐን አምላኽ ግን ብወገናዊ ኣተሓሳስባ ዝቑረን አይኮነን። ከም’ዚ ኣብ’ዚ መጽሓፍ ትንቢት ዮናስ ዘቕርቦ ዘሎ፡ አምላኽ፡ ናይ ካብ ልቢ ዝቐርብ እምነትን፡ ጾምን፡ ንስሓን ተቐቢሉ ዝምልስ ኣምላኽ እዩ።
ሓፈሻዊ ስርዓት መጽሓፍ ትንቢት-ዮናስ
መጽሓፍ
ትንቢተ-ዮናስ ኣርባዕተ ምዕራፋት ጥራሕ ስለዘለዎ፡
ንትሕዝቶኡ ንምርዳእ ኣብ
ኣርባዕተ ወይ ክልተ ክፍሊ ጥራሕ ሰሪዕካ ሓፈሻዊ
ትሕዝቶኡ ክትርዳእ ትኽእል። ኣብ ኣርባዕተ ክፍሊ
ከም’ዚ ዝስዕብ እዩ፤
1.
ቀዳማይ ምዕራፍ፣ ብዛዕባ ጸዋዕታን እምቢትነትን
ነብዪ ዮናስን፡ ብዓሳ’ውን ከምተዋሕጠን
2.
ካልኣይ ምዕራፍ፡ ነብዪ ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ኮይኑ
ናብ ኣምላኽ ክጽልን፡ ካብ ከብዲ-ዓሳ ከአ ብሕይወቱ
ከም እተተፍአን
3.
ሣልሳይ ምዕራፍ፣ ነብዪ ዮናስ ናብ ነነዌ ከይዱ
ንስሓ ይሰብኽ፡ አምላኽ ከኣ ንስሓ ሕዝቢ ሰሚዑ
ምሕረት ይገብረሎም
4.
ራብዓይ ምዕራፍ፣ ነብዪ ዮናስ ንሕዝቢ ነነዌ
ብዝተገብረሎም ምሕረት አይተሓጎሰን ስለዚ ከአ ምስ
ኣምላክ ይጸባጸብ።
ኣብ ክልተ
ክፍሊ ጥራሕ እንተተሰርዐ’ውን፡ ትሕዝቶኡ ሓደ
ኮይኑ፡ ስፍሕ ዝበለ ርድኢት ከብርህ ይኽእል።
ቀዳማይ ክፋል ምዕራፋት ሓደን ክልተን ክኸውን
እንከሎ፥፡ ካልኣይ ክፋል ከኣ ሳልሳይን ራብዓይን
ምዕራፋት ዝሓዘ ይኸውን። ክልተኡ ክፋላት ከኣ
ተመሳሳሊ ወይ ተደጋሚ መልእኽቲ ዘቕርብ ኮይኑ
ይርከብ። ብኸምዚ ዝስዕብ ገቢርና ከኣ ትሕዝቶኡ
ክንርዳእ ንኽእል፥
|
ቀዳማይ ክፋል
ምዕራፋት 1 – 2
|
ካልኣይ ክፋል
ምዕራፋት 3 - 4
|
|
|
|
|
|
|
|
|
|
|
|
|
ብድሕሪ’ዚ
ዝስዕብ ጽሑፍ፡ ንባብን ትርጉም ናይ ቀዳማይ ምዕራፍ
እዩ።


