Teleconference
9:00 PM Washington DC TIME

 

  • Radio Internet

 

እግዚኣብሔር ጓሳየይ እዩ፥ ዝጐድለኒ የብለይን።

ኣብ ልሙዕ ሻኻ የውዕለኒ፥ ናብ ዝዓርፈሉ ማይ ይመርሓኒ።

ንሱ ሓዲሽ ሓይሊ ይኃይሊ ኡህበኒ፥ ከምቲ ዘተስፈወኒ፥ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ።

ግብ ዝበለ ጽልማት ብዘለዎ ርባ እኳ እንተኸድኩ፥ እግዚኣብሔር ምሳይ ኢኻሞ፥ ክፉእ ኣይፈርህን ኢየ፥

በትርኻን ምርኩስካን ይሕልዋኒ ኢየን።

ንስኻ ኣብ ቅድሚ ጽላእተይ መኣዲ ትኅሠርዓለይ፥ ከም ክቡር ጋሻ ንርእሰይ ብዘይቲ ቐባእካዮ።

ጽዋዐይ መሊኡ ይጅርብብ ኣሎ።

ፍቕርኻን ምሕረትካን ብኹሉ ዕድመይ ምሳይ ክምዝኾናእፈልጥ እየ።

ኣብ ቤትኻ ኸኣ ንዘልዓለም ክነብር እየ።

 postheadericon ንሱ ዝበለኩም ግበሩ  ( ኣባ ተኽሊዝጊ ዑ/ዚዮርጊስ)

 

ኣብ ሣልሣይ መዓልቲ

 ዘፍጥረትን ወንጌል ዮሓንስን፡ብመጀመርታብምባል ጽሑፎም ይጅምሩ። መርዓ ቃና ዘገሊላ ኸኣ ኣብ መደምደምታ ናይቲ፡ኣብ ምዕራፍ፡ሓደ ዝጅምር ምቊጻር መዓልትታት እዩ። ዘፍጥረት ብኃሙሽተ መዓልቲ፤ ሰማይን ምድርን ምልኣቶምን፣ብሻድሻይ መዓልቲ ሰብ፣ብሻብዓይ መዓልቲ ዕረፍቲ ሰንበት ከም ዝሰርዐ ይዛረብ።

ወንጌል ዮሃንስ ብዜይካ ቃል ኣምላኽ ዝኾነ ከም ዘየልቦ፣ንሱ ኸዓ ብርሃን ዓለም ከም ዝኾነ ይዛረብ`ሞ፣ንጽባሒቱ……እንዳበለ 6ተ መዓለቲ ይቘጽር።ኣብ ሻብዓይ መዓልቲ ማርያም ክትረአ ትጅምር።ዮሃንስ 129 135 143 21 ረአ።

 ኣብ ዘፍጥረት ኮነ ኣብ ዮሓንስ መንፈስ ቅዱስ ኪወርድ ንርእዮ። ዘፍ 12፣ ዮሃ 132-33

ኣብዚ ዮሃንስ ከገንዝበና ዚደሊ ዘሎ እግዚኣብሔር ከም ሓድሽ ይፈጥር ከም ዘሎ እዩ። (ዮሓ11229-3435)

ሰንበት ኣብ ዘፍጥረት፤ ናይ ኹሉ ፍጥረት መደምደምታን መፈጸምታን እያ፡፡ ኣብ ዘጸኣት 3116-17 ከም እነንብቦ ኸኣ “ናይ ዘልዓለም መፈለጥታ” እያ።ኣብ ዮሓ “ኢየሱስ ነዚ ናይ መጀመርታ ተኣምራት ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ዝገበሮ።

ክብሩ ኸአ ገለጸ….” ዚብል ነንብብ (ዮሓ 211)። ኣብ ዘፍጥረት ኣዳምን ሄዋንን፣ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኢየሱስን ማረያምን። 

ኣደ ኢየሱስ 

በዚ መልክዕዚ ቅ.መጽሐፍ ከነንብብ ከሎና ማርያም ኣብ ሰንበት ናይ’ቲ እግዚአብሔር ዚፈጥሮ ዘሎ ሓድሽ ፍጥረት ትረአ ኣላ ማለት እዩ። አብ ብሉይ ናይ’ቲ እግዚአብሔር ዚኣተወልና ኪዳን መፈለጥታ ወይ ምልክት ዕረፍቲ ሰንበት እዩ። ናይዚ ሓድሽ ኪዳን ምልክት ከኣ ኢየሱስን ማርያምን እዮም።

ኣብ ሥነፍጥረት እግዚአብሔር ብስሙ ኪጽዋዕ ከሎ፣ንሰብ ግና “ሰብአይን ሰበይቲን” ብምባል ጠራይ ይስይሞም።(ኢሽ..ኢሻ)። ከምኡውን ኣብ መርዓ ቃና፣ ኢየሱስ ብስሙ ክጽዋዕ ከሎ፣ንማርያም ብስማ ኣይጽዉዓን። “ኣደ ኢየሱስ” ወይ “ሰበይቲ” ጥራሕ ይብላ። 

በዚ ዮሓንስ ወንጌላዊ ኣብ ምንጎ ዘፍጥረትን ወንጌሉን ዓሚቕ ተምሳላዊ ርክብ ከም ዘሎ ይሕብር።  

ኣቲ ሰበይቲ ምሳኺ እንታይ አሎኒ”

 “ኣቲ ሰበይቲ” ኢልዋ፣ገሲጽዋ… ወዘተ።ርግእ ኢልና እንተ ኣንቢብናዮ ግና ትሕዝትኡ ግልጺ እዩ።ማርያም ኣይተኾልፈትን፣

ዝደለየቶ ኸአ ረኺባ።ቀረድ ኣይረአን።ስለዚ ሓደ ነገር አሎ፡፡ ኣራማይጢ እምበር ትግርኛ ኣይኦኑን ዚዛረቡ ዘለዉ። ብቋንቁኦም ከአ 2ተ ትርጉም አለዎ። ኣሉታውን እወንታውን እዩ።

ዕብ. 415 ንኢየሱስ ኃጢአት ዚብሉዎ ኣይለኽዮን እዩ ዚብል።ስለዚ ይግስጻ’ሎ…ዚብል ዘረባ መሰረት የብሉን።እዙዝ እዩ ነይሩ። (ሉቃስ 251)።ኣስተውዕል ነ4ተ ግዜ “ኣደ ኢየሱስ” ተባሂላ ኣላ።(.13512)

 “ንሱ ዝበለኩም ግበሩ”፤ እዚ ስምረት እምበር ቀረድ ወይ ባእሲ ከቶ ኣየመልክትን።

እምነታን ኣበሃህላኣን ፤ናይ ስምረት እምበር ፤ናይ ፍልልይ ኣየርእን።

 ኣቲ ሰበይቲ” ኣብ ቅ.መጽሐፍ

 ኢየሱስ ንማርያም “ኣቲ ሰበይቲ” ኢሉ ኪጽዉዓ ኸሎ፡ ዐሚቕ ምስጢር ዝኃዘ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝተመስረተ ሓቂ እዩ ዘራኢ ዘሎ።ካብ ኣገባብ ዝወጸ ኣዘራር’ውን ኣይኮነን። ማቴ 1528 ሉቃስ 1312 ዮሐ 421 810 2013 ረኣ።

ብኻልእ ወገን ከኣ ብዘይካ ኢየሱስ ነዲኡ ወላዲቱ “ኣቲ ሰበይቲ” ኢሉ ዚጽዕ ኣብ ቅ.መጽሐፍ ኮነ ኣብ ካልእ ሥነ ጽሑፍ ኣይንረክብን።

እዚ እንታይ እዩ ዘርኢ፣ ኢየሱስ ኮነ ዮሐንስ ወንጌላዊ ብተምሳል ሓደ ዓሚቚ፤ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝተሰረተ ሓቂ እዮም ዚምህሩ ዘለዉ።ይተካእ ይለቀብ ፤ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ዮሐንስ ንማርያም ብኻልእ ስም ኣይጽዉዓን እዩ።

ኪመዉት ከሎ ከይተረፈ “ኣቲ ሰበይቲ” ኢሉ እዩ ዝጽዉዓ (ዮሐ 1926)

   ኣብ ቃና ዚፍጸም ዘሎ ኩነታት ንኽንርዳእ፤ ነቲ ዮሐንስ ዚዛረበሉ ዘሎ ዓቢይ ጉዳይ ማለት ሓድሽ ፍጥረት ክንዝክር የድሊ። ኣብ ብሉይ ኣዳም ንሄዋን “ኣቲ ሰበይቲ” ኢሉ ይጽውዓ።ስለዚ ቀዳማይ ኣዳም ቅዳመይቲ ሄዋን፣ካልኣይ ኣዳም ካልአይቲ ሄዋን።

 ራእይ ዮሓንስ 121-8 እንተ ተመልከትና፤ኸኣ እቲ ነገር መመልሹ   የዓዝዝን ይምዕርግን።ኣብዚ ማርያም “ዓቢይ ትእምርቲ እያ ተባሂላ ዘላ። ከምቲ ኣብ ወንጌል ዮሐንስ ዝረኣናዮ፤ኣብዚ’ዉን መጽሓፍ ዘፍጥረት፤ መንጸፍ ናይ’ዚ ምዕራፍ’ዚ ኮይኑ ንርእዮ።

ኣዳምን ሄዋንን ምስ ኃጥኡ ፤ እግዚኣብሔር ናይ ተስፋ ቓሉ ይህብ። “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይቲን፥ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልእ እተክል ኣሎኹ።ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ’ዩ፤ ንስኻ ድማ ሸኾናኡ ክትነክስ ኢኻ” (ዘፍ.315)

ከም ሄዋን ቦኽሪ ወዳ ክትወልድ ትጸዓር፣ወዮ ገበል/ሰይጣን ክዓ ኪዉሕጥ ይወዳወድ።

እቲ ሕፃን “ንዓለም ብበትሪ ሓጺን ኪገዝእ ዘለዎ እዩ (125 መዝ.29)ረአ።

 እዚ ኢየሱስ እምበር ካልእ ኪኸዉን ኣክእልን’ዩ።ስለዚ እታ ሰበይቲ ማርያም ክትከዉን ናይ ግዲ እዩ። በዚ ምኽንያትዚ’ዩ እታ ሰበይቲ ናይ ቤተክርስቲያን ትምሳል ኮይና ንረኽባ።

እቲ ሕፃን ንሰማይ ምስ ተወስደ፣እቲ ገበል ነቶም “ብዛዕባ ኢየሱስ ዚምስክሩ ዝተረፉ ዘራኣ(ደቃ)” ይዋግኦም። እዚኦም “ሕዝቢ እግዚኣብሔር” ማለት ቤተ ክርስቲያን እያ (ራእይ1217)

 ታሪኽ ቃና ዘገሊላ ንምርዳእ እምበኣር እነሆ ኣብ ዘፍጥረትን ራእይ 12ን ደገፍ ንረክብ ኣሎና።ኣብ ቃና ኮነ ኣብ ራእይ12 ከኣ ማርያም ፤ብኽልቲኡ “ሰበይቲ” ብዝብልን “ኣደ ኢየሱስ” ብዝብልን  ክትጽዋዕ ንርኢ ኣሎና።

 ምስ እየሱስ ኮነ ምስ ሓዋርያት ከኣ ልዙብ ርክብ ኣለዋ። ኣብ ራእይ ከኣ ናይቶም “ብዛዕባ ኢየሱስ ዝምስክሩ”ኣደ እያ (1217)

ኣብ ቃና ከኣ ቀንዲ ተዋሳኢት ኢያ።(ዮሓ 1926-27)

 ሓዳስ ሄዋን አደ ኩሎም ሕያዋን

 ዮሓንስ ከኣ ኣብዚ ናይ ሓድሽ ፍጥረት ታሪኹ፣ ንማርያም ከም ሓዳስ ሄዋን ጌርና ክንርእያ እዩ ዝደልየና ዘሎ።

 ኣብ ቃና እቲ ብሰበብ ቐዳማይቲ ሄዋን ዝመጸ ኩነት ፍጺሙ ኪልወጥ ንርእዮ።ኣብ ገነት ኤደን ፤ እታ ቐዳማይቲ ሰበይቲ ንቐዳማይ ኣዳም ናብ ሓጥያት መርሓቶ።ኣብ ቃና፤ እታ ሓዳስ ሰበይቲ ንኻልአይ ኣዳም ቀዳማይ ተአምራቱ ንኺገብር ምኽንያት ኮነቶ።

እታ ቀዳመይቲ ሄዋን፤ ኣዳም ካብ እግዚኣብሔር ንኺዓሉ ምኽንያት ኮነቶ፤ካልኣይቲ ሄዋን ግና ፤ግድነት ናይ ሕዝባ ፤ናብ ወዳ ተቕርብ፣ “ንሱ ዝመለኩም ግመሩ” ብምባል ከኣ ነቶም ተዓጠቕቲ ተኣዝዞ መሃረቶም።

ቀዳመይቲ ሄዋን “ኣደ ኩሎምሕያዋን” እያ (ዘፍ 33-20)። ሓዳስ ሄዋን ማርያም ከኣ ንሓዋርያትን ነቶም ተዓጠቕቲን ብኢየሱስ ኪኣምኑ ብምትብባዓ ኣድ ቤተክርስቲያን ማለት ኣደ ኩሎም ደቂ እግዚኣብሔር ኮነት (ዮሐ 1121926-27)(ራእይ 1217)

 መርዓ መሲሕ

 ዕረፈቲ ሰንበት” ምልክት ናይቲ እግዚኣብሔር ምስ ቀዳማይ ፍጥረቱ ዚኣተዎ ኪዳን ከም ዝነበረ፣ከብካብ ቃና ፤ምስቲ ዂሉ በዓላቱን ብተአምራት ዝተረኽበ ናይ ሐጎስ ዌይኑን፤ምልክት ሓድሽ ኪዳን እዩ።

ኣብ ብሉይ ኪዳን  መርዓ ሰብኣይን ሰበይቲን፤ ማለት መርዓ ኣዳምን ሄዋንን፤ ንራኢ።(ዘፍ 223-24)። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ከኣ ሓድሽ ሰብአይን ሓዳሽ ሰበይቲን ፤ማለት ኢየሱስን ማርያምን ፤ ኣብ መርዓ ቃና ንርኢ።

 ርግጽ ማርያም ኣዲኡ እምበር መርዓቱ ኣይኮነትን። የግዳ ነቲ ወንጌላዊ ዮሓንስ ኪብሎ ደልዩ ዘሎ ዓሚቝ ትርጉም ቅዱስ ምጽሓፍ ንምግንዛብ ፤ነዚ ትሑትን ምድራዊን ዝኾነ ኣተሓሳስባና ንቍሩብ ጊዜ ንወግኖ። እዚ ኸኣ ማርያም ኣብ ቅዱሳት ምጻሕፍቲ

ጛል እስራኤል”፤ “ኣደ ሓድሽ ሕዝቢ እግዚኣብሔር”፤“መርዓት እግዚኣብሔር” ተባሂላ ብተምሳል ስለ እትጸዋዕ እዩ።

    ኣብ ቃና መርዓ ከም ዝተገብረ ንፈልጥ። መነመን ከም ዝተመርዉ ግና ኣይንፈልጥን ኢና። እቲ ኣቦ ዳስ “ኩሉ ሰብ ቅድም ጹቡቕ ውይኒ ፤ ምስ ሰኸሩ ኸኣ እቲ ሕምቕ ዝበለ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጽቡቕ ክሳብ ሕጂ ኣጽኒሕካዮ” ኪብል ከሎ፤ ንኢየሱስ ዚዛረብ ዘሎ ይመስል(210)።ዮሓንስ ኣስዕብ ኣቢሉ “ኢየሱስ ነዚ ናይ መጀመርታ ተኣምራቱ ምልክት እዚ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ዝገበሮ” ብምባሉ እዚ ዝዓይነቱ ርድኢት ከም ዘለዎ የርኢ።

   ብብሉይ ኪዳን “እግዚኣብሔር ንሕዝቡ እስራኤል ከም ዚምርዓዎም፣ሓዲሽን ዘልኣለማውን ኪዳን ከም ዚኣትወሎም”፤ ትስፍው እዩ ነይሩ።ዮሓንስ ወንጌላዊ እንሆ ተፈጺሙ እዩ ዚብለና ዘሎ።ሆሴዕ 216-25፤ኤር 21-2 316-12፤ሕዝ 16፤ኢሳ 501 544-8 624-5፤መሓልየ መሓልይ ብምሉኡ ርአ።

   ብፍላይ ኣብ ሆሴዕ 2020-21 ግልጺ እዩ ፤ምስ ዘፍ 220-21-24-25 ኣረኣእዮ።

   ምምጻእ መሲሕ፤ ብብዝኂ ወይኒ ከም ዝስነ፤ ኣብ ብዙኅ ነንብብ

(ሆሴዕ 223 ፤ኣሞጽ 913-14፤ኢዮኤል 219418፤ዘካርያስ 916-17107፤ኢሳ 256)

   እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ከም ዝተመርዓዎም ዜርኢ መኃልየ መኃላይ እዉን ወይኒ ምልክት ሕጎስን መርዓን ከም ዝኾነ ይገልጽ።

  መርዓት ሓድሽ ኪዳን

 ዮሓንስ ንኢየሱስ፣ኣብቲ ኣብ ቃና ዝተገበረ፤ ናይ ሓሽ ኪዳን መርዓን ሓጎስን ፤ከም መሲሕ፤ከም መለኮታዊ መርዓዊ፤ ከም ምንጪ ናይ ሓዲስ ወይኒ ገይሩ እዩ ዜቕርቦ ዘሎ።

   እዚ ትርጉምዚ፤ በቲ ኣብ ራእይ ዮሓንስ እነንብቦ፤ ንምሉእ ዓለም ዝሓቖፈ መርዓን ከብካብን፤ ኪድግፍ ንርእዮ። እዚ እቲ ኢየሱስ ነታ መርዓቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ዚቕበለሉ መርዓ “ካብካብ’ቲ ገንሸል” እዩ።(ራእይ 199 219 2217)

ቃና መፈለምታ ኪኸውን ከሎ ፤ እዚ ኸብካብ’ዚ፣ኲሉ ተሓዲሹ “ሓድሽ ሰማይን ሓዲሽ ምድርን” ዝኾነሉ ናይ “ሓድሽ ፍጥረት” መደምደምታን መፈጸምታን እዩ።(ራእ 211)

   ኣብ ዮሓ12936 ዮሓንስ ንኢየሱስ “ገንሸል ኣምላኽ”፤ ኣብ ራእይ 329 ከዓ “መርዓዊ” ኢሉ ይሰምዮ። ኣብ ቃና ካዓ “ሓድሽ ኣዳም”፤ ናይቲ ሓድሽ ፍጥረት ቦኽሪ ገይሩ፤ ኣቕሪቡዎ ኣሎ።

    እዚ ግና ጋሻ ነገር ኣይኮነን። ብሓድሽ ኪዳን ዝተደገፈ ትምህርቲን ትርጉምን እዩ። ቅ. ጳዉሎስ ንኣዳም ምሳሌ ኢየሱስ (ሮሜ 514) ከማኡ’ውን ሓዲስ ኣዳም ወይ ካልኣይ ኣዳም እሉ ይሰምዮ እዩ። (1ቆሮ 1521-2245-49)

    ኸማኡ ኸኣ ማርያም፤ኣብ ቃና መርዓት ካልአይ ኣዳምን፣ኣደ “ሓድሽ ፍጥረትን” ኮይና ቐሪባ ኣላ።

ነቶም ተዓጠቕቲ ድማ “ንሱ ዝበለኩም ግበሩ” ኢላ ተምሕሎም።ካልእ ማሕላ ኣይንርእን።

 እስራኤላዉያን ኪዳን ኪኣትዉ ከለዉ ዜዘዉትርዎ ኣዘራርባ እዩ። “ኣምላኽ ዝብሎ ኹሉ ክንገብር ኢና” (ዘፀ 1012 198 343-7 ዘዳ 527፤ ኢያሱ 2424 ነህሚያ 512)

 ስለዚ ማርያምንሱ ዝበለኩም ግበሩ”  ብምባል ፤ንሓዋርያትን ነቶም ተዓጠቕትን፤ ኪእዘዝዎን፤ ኣብ ዝበሎ እምነት ከሕድሩን ከተተባብዖም፣ቃል ከተእትዎም፡ ከተምሕሎምዶ ክንብሎ፣ ንርእያ።

ብግብሪ ከም ዝረኣናዮ ኸኣ፣ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ኮነ ኣብ ቅድሚ ሐዋርያት ወይ እቶም ተዓጠቅቲ ማርያም ክበረት እምበር ኣይሓፈረትን። (ዮሓ 211-12)

   

ብጎይታ ሓውኹም ኣባ ተኽልዝጊ ዑ/ጊዮርጊስ

 

 




 


Abba Teclezghi (Father Bernard)br / Founder of Mahber Menfes Kedus

እሜንዶ እስምዕ ኣለኹ

Safely Home

 

I am in Heaven, dear ones;

Oh, so happy and so bright!

There is perfect joy and beauty

In this everlasting light.

 

All the pain and grief is over,

Every restless tossing passed;

I am now at peace forever.

Safely home in Heaven at last.

 

Did you wonder I so calmly

Trod the valley of the shade?

Oh! but Jesus' love illuminated

Every dark and fearful glade.

 

And He came Himself to meet me

In that way so hard to tread;

And with jesus' arm to lean on,

Could I have one doubt or dread?

 

Then you must not grieve so sorely,

For I love you dearly still:

Try to look beyond earth's shadows,

Pray to trust our Fatheres will.

 

There is work still waiting for you,

So you must not idly stand;

Do it now, while life remaineth

You shall rest in Jesus' land.

 

When that work is all completed,

He will gently call you Home:

Oh, the rapture of that meeting,

Oh, the joy to see come!